top of page

General Information - Tigrinian

Holding Hands

ኤይድስ እንታይ ኢዩ?

ኤይድስ= ማለት ኣብ ሰብነትና ዝርከቡ ካብ ዚተፈላለዩ ሂማማት ዚከላኸሉልና ዋሃዮታት ብኤች ኣይ ቪ ተጠቂዖም ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ተዳኺሙ ሰብነትና ብዝተፈላለዩ ረኽስታትን ህማማትን ክቃላዕ ከሎ ኤች ኣይ ቪ ናብ ኤይድስ ዝበሃል ህማም ሰጊሩ ንብል።

ኤች ኣይ ቪ ቫይረስ እንታይ ኢዩ?

ኤች ኣይ ቪ ቫይረስ ማለት ካብ ሰብ ናብ ሰብ ጥራይ ዝመሓላለፍ ናይ ሰብነትና ዓቕሚ ብምድኻም ንዝተፈላለዩ ህማማት ዘቃልዕ ቫይረስ ኢዩ።

ኤች ኣይ ቪ ብኸመይ ይመሃላለፍ?

እዚ ቫይረስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ጥራይ ዝመሃላለፍ ኢዩ።ዝመሃላለፈሎም መንገድታት ድማ፥ ብፍንው ጾታዊ ርክብ ካብ ዝተለኽፈ ሰብ ናብ ጥዑይ ሰብ፥ካብ ልኽፍቲ ኣደ ናብ ህጻን ኣብ ጊዜ ጥንሲን ሕርስን ከምኡ'ዉን ብምጥባው ፥ዝተበከለ ደም ብምልጋስ  ዝተፈላለዩ በላህቲ ነገራት ከም በዓል መርፍእ (ዝተበከለ ደም ዘለዎ መርፍእ  ወይ ስሪንጋ ንፋስ ከይኣተዎ ስለዝጸንህ ከመሃላልፍ ይኽእል)።

ኤች ኣይ ቪ ኣበየኖት ዓይነት ፈሳሲ ናይ ኣካላትና ይርከብ?

- ኣብ ደም - ኣብ ምስ ፍረዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ዝርከብ ፈሳሲ - ኣብ ርሕሚ ጓል ኣንስተይቲ ዝርከብ ፈሳሲ - ኣብ ጸባ ጡብ ኣደ

ብብዝሒ ዝመሓላለፈሎም ህዋሳት - ስርዓተ ዙረት ደም - ኣዒንቲ - ሶርኖ ኣፍንጫ - ኣፍ - ርሕሚ - ኣፍ መትሎ - መሃንቱስ

ካብ ኤች ኣይ ቪ ብከመይ ንከላኸል?

A.  ኣብ ግዜ ጾታዊ ርክብ ምሕሳብና ከምዝፍለጥ ኤች ኣይ ቪ ኣብ ርሕማዊ ፈሳሲን ኣብ ንዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ተሰኪሙ ስለዝርከብ ፍንዉ ጾታዊ ርክብ ካብ ምግባር ክንጥንቀቕ ይግባእ። ንኣብነት፥ሓደ ምስ ሓንቲ ምጽናዕ፥ቅድሚ ዝኾነ ርክብ ክልቴኻ መርመራ ኤች ኣይ ቪ ምግባር ከምኡ'ዉን ኣብ ጊዜ ፍንዉ ጾታዊ ርክብ ኮንዶም ምጥቃም።

B. ዝኾነ ሰብ ዝተጠቀመሎም መራፍእ ዘይምጥቃም።ንኣብነት

ዝኾነ ሰብ ዚተጠቀመሎም ስሪንጋ፥ ኣብቲ መርፍእ ናይ ስሪንጋ ዘሎ ቱቦ ደም ዝኾነ ኦክስጅን ከይረኸቦ ስለዚጸንሕ ክንጥንቀቕ ይግባእ። ብፍላይ ካብ ተጠቀምቲ ሃሺሽ ዝተጠቐሙሉ መራፍእ ንጠንቀቕ።

C. ካብ ኣደ ናብ ዕሸል ኤች ኣይ ቪ ብዉርሻ ዝመሓላለፍ ኣይኮነን እቲ መስርሕ ናይ ምትሕልላፍ ግን ካብ ግዜ ጥንሲ ኣትሒዙ ይጅምር፥ ኣብ ግዜ ሕርስን ምጥባዉን ምሉእ ተኽእሎ ናይ ምትሕልላፍ ኣሎ።ሓንቲ ኣደ ኤች ኣይ ቪ ምልኻፋ ምስ ትፈልጥ ካብ ግዜ ጥንሲ ኣትሂዛ ነቲ ዕሸል ከይመሃላለፈሉ መከላኸሊ መድሃኒት ክትወስድ ኣለዋ፥ድሕሪ ሕርሲ'ዉን ከተጥቡ የብላን።ህጻን ምስ ተወልደ ንጸባ ጡብ ዝትክእ ሰብ ዝሰርሖ ጸባ ክጥቀም ኣለዎ።ነፍስ ወከፍ ብኤች ኣይ ቪ ዝተለኸፈት ነፍሰጾር ኣደ ግቡእ መከላኸሊ መድሃኒት ክትወስድ ክትክእል ኣለዋ፥ ከምኡ ድማ ድሕሪ ሕርሲ ከተጥቡ የብላን።

ኤች ኣይ ቪ ዘይመሓላለፈሎም መንገድታት

-  ብሰላምታ፥ ብምትሕቑቓፍ፥ ምስዕዓም

-  ብሓባር ብምብላዕን ምስታይን

-  ናይ ሓባር ሽጎማኖ፥ ዓይኒ ምድሪ ብምጥቃም

-  ብምስትንፋስ፥ብምስዓል፥ብምህንጣስ

-  ብመግቢ፥ብማይ፥ብንፋስ፥ብምራቕ

-  ብመንከስቲ እንስሳታትን ለመምትን

-ኮንዶም እቲ ዝበለጸ መከላኸሊ ካብ ኤች ኣይ ቪን ካልኦት ብጾታዊ ርክብ ዝመሃላለፉ ሕማማትን እዩ።

ፐፕ:- እንታይ ማለት እዩ?

-እዚ መድሃኒት ሓደ ሰብ ንዘይ ዉሑስ ጾታዊ ርክብ ምስ ዝቃላዕ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ዝዉሰድ መድሓኒት እዩ።

እዚ መድሃኒት ኣበይን ብከመይን ይርከብ?

ኣብ ዉሽጢ 72 ሰዓታት ናይ ዘይውሑስ ጾታዊ ርክብ ናብ ክፍሊህጹጽ ረድኤት ናይ ሆስፒታል ብምኻድ ክትውከስ ይከኣል።

ፕረፕ:-እንታይ ማለት እዩ?

እዚ መፍሓኒት ኤች ኣይ ቪ ኤይድስ ብጾታዊ ርክብ ንከይመሓላለፈካ ቀዲምካ ብስሩዕ ዝዉሰድ መድሓኒት እዩ።ብከመይ ይዉሰድ

ንኣብነት ሓደ ሰብ ምጻምድቱ ምስ ኤች ኣይ ቪ ቫይረስ ዝነብር እንተኾይኑ እቲ ነጻ ዝኾነ ሰብ ምእንቲ እቲ ቫይረስ ናብኡ ከይሓልፍ ምስ ዶክተሩ ብምምኻር ይዉሰድ።

ኤች ኣይ ቪ መርመራ

ንዝኾነ ተሰካሚ ኤች ኣይ ቪ ብዓይንኻ ርኢኻ ክትፈልጦ ኣይከኣልን ኢዩ፡ እቲ እንኮ መፍለጢ መርመራ ናይ ደም  ናይ ኤች ኣይ ቪ ብፍሉይ ምግባር ኢዩ። መብዛህትኡ ግዜ ሰባት ተሰከምቲ ኤች ኣይ ቪ ምኻኖም ከይፈለጡ ከለዉ ኢዩም ንብዙሓት ሰባት ዘመሓላልፉ።

መዓስ መርመራ ኤች ኣይ ቪ ክንገብር ይግባእ

መርመራ ኣብ ንገብረሉ ግዜ 21 መዓልታት ቅድሚ መዓልቲ መርመራ ንዝተገብረ ፍንው ጾታዊ ርክብ ጥራይ ኢዩ ክንጽረልና ወይ ክፍለጥ ዝኽእል፥ስለዚ ትሕቲ 21 መዓልታት ዝተገብረ ፍንው ጾታዊ ርክብ ንጹር ዉጽኢት ክህልዎ ኣይክእልን ኢዩ።

ንምንታይ ኽንምርመር የድሊ

o   ኩነታት ጥዕናኻ ብምፍላጥ ንጥዕናኻ ዘመሓይሹን ህላወኻ ዘናውሑን መድሃኒት ብኣጋ ንምርካብን

o   ሕማምካ ፈሊጥካ ንመጻምድትኻ ይኹን ንኻልኦት ሰባት ንከይትልክም ኽትጥቀቕ የኽእለካ።

ካብ ኤች ኣይ ቪ ነጻ ዝኾኑ ናይ ኣካላትና ፈሰስቲ

o   ንብዓት

o   ርሃጽ

o   ተምላስ

o   ቀልቀል

o   ሽንቲ

o   ምራቕ

ስለዚ ካብዚኦም ዓይነት ዉጽኢት ሰብነትና ምትንኻፍና ከሰክፈና የብሉን።

ኤች ኣይ ቪ ኤይድስ መድሃኒት ኣለዎ'ዶ? ኣይፋል!!!!

ስጋብ'ዚ ዘለናዮ ግዜ መድሃኒት የብሉን፥ግን ኮክቴይል ዝተባህለ መናዉሒ መድሃኒት ኣሎ፡ እዚ መድሃኒት ነቶም በቲ ቫይረስ ካብ ዝተፈላለዩ ሕማማት ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ዝተዳኸመ ዋሃዮታት ናይ ነብስና የበራብሮምን ነቲ ህማም ናብ ኤይድስ ንከይምዕብል ይከላኸልን ዕድመ የናዉሕን።

ኣጠቓቕማ ኮንዶም

   መጀመርያ ዝወድቀሉ ዕለት ከነረጋግጽ ኣለና

   ኮንዶም ኣብ ዝሑልን ደረቅን ቦታ ክቕመጥ ኣለዎ

   ኮንዶም ቅድሚ ምምላስና መትሎ ብግቡእ ከም ዝቐንዐ ከነረጋግጽ ኣለና

   ርክብ ቅድሚ ምጅማርና ኮንዶም ብግቡእ ኣብ ዝቐንዐ መትሎ ከም ዝተመልሰ ምርግጋጽ የድሊ

   ርክብ ድሕሪ ምፍጻምና ምትሎ ብቅኑዑ ከሎ ካብ ርሕሚ ብምዉጻእ ነቲ ኮንዶም ብጥንቃቐ ካብ መትሎ ኣዉጺና ቋጺርና ቆልዑ ኣብ ዘይረኽብዎ ቦታ ንጉሕፎ

   ሓንቲ ኮንዶም ንሓንቲ ግዜ ርክብ ጥራይ ክንግልገለላ ኣለና         ኮንዶም ንጠቀም!!! መርመራ ኤች ኣይ ቪ ድማ ንግበር !!!

""ሕይወት ልዕሊ ኩሉ ስለዝኾነት""

ኤች ኣይ ቪ ኤይድስ መርመራን ሓበሬታን ንረኽበሉ ቦታታት

እስራኤል ኤይድስ ታስክ ፎርስ

ቦታ-ጎደና ሃነጺቭ 18,ተል ኣቪቭ
ሰዓታት ስራሕ
ካብ ሰንበት -ሓሙስ = ካብ 5:00-8:00ድ/ቐ

ዓርቢ ካብ 10፡00_1፡00 ቅ\ቀ
ሶኒ ዕጽው ኢዩ
ንዝያዳ ሓበሬታ ቴሌ 0543200077(ያኤል)
0547132699(ኣስማይት)

ኢሜይል ws@aidsisrael.org.il

      ተረም ክሊኒክ

ሓፈሻዊ ኣገልግሎት ሕክምናዊ መርመራታት ንስደተኛታት ናይ ኢንሹራንስ ወረቐት ዘይብሎም ሰራሕተኛታትን ግቡእ ኣገልግሎት ብቛንቛታት ትግርኛ፣ ዓረብን ኣምሃርኛን ይህብ

ቦታ -ተኻና መርከዚት4ይ ደርቢብድሕሪት ቑጽሪ 5 ባስ ደው ትብለሉ

ሰዓታት ስራሕ

ካብ ሰንበት-ሓሙስ 8፡00ቅ/ቀ-8፡00ድ/ቀ

ዓርቢ 8፡00ቅ/ቐ-2፡00ድ/ቐ

ቴሌ 073-2255390

     ለቪንስኪ ክሊኒክ

መመርመሪ ብፍንዉ ጾታዊ ርክብ ዝመሃላለፉ ሕማማትን ኤይድስን

ቦታ ኣብ ተኻና መርከዚት 5ይ ደርቢ

ሰዓታት ስራሕ

ሰንበትን ሰሉስን4፡00ድ/ቐ-8፡00ድ/ቐ

ሰኑይ  1፡00-8፡00ድ/ቐ

ሮቡዕ  1፡00-5፡00ድ/ቐ

ሓሙስ 9፡00-12ቅ/ቐ

ቴሌ 03-7919704(መስመር ሓበሬታ)

03-5373737(መትሓዚ ቖጸራ)                                                        

       ሓኻይም ሰብኣዊ መሰላት ኣብ እስራኤል

ቦታ ጎደና ባሩኽ ሳፒር 4(ማዕረ ማዕረ ጎደና ድሮር)

     ያፎ፣ተልኣቪቭ

ሰዓታት ስራሕ

ሓፈሻዊ ሓኪም ፡ሰንበት፣ሰሉስ፣ሮቡዕ-ካብ 3፡00ድ/ቀ

ናይ ደቀንስትዮ ሓኪም ደዊልኩም ቆጸራ ሓዙ

ናይ ቆልዑ ሓኪም

ዓርቢ ካብ 9፡00ቅ/ቐ- 12፡00ቕ/ቀ

ቴሌ 03-5133120

bottom of page